BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
እስራኤል ንሶማሊላንድ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ዘስዓቦም ምላሻት እንታይ ይመስሉ?
ሶማሊላንድ ካብ ዓባይ ሶማልያ ናጽነታ ብምእዋጅ ናይ ባዕላ ምምሕዳር ብምቛም ክትከይድ'ኳ እንተጸንሐት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን።ነታንያሁ፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብዲላሂ ብማንዛ ኣብ ዝተራኸበሉ እዩ ነቲ ኣዋጅ ብወግዒ ኣፍሊጡ ዘሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ትራምፕ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ?
ጉዳይ ስደተኛታት ግን ኣብ መንጎ መንግስቲ፡ መራሕቲ ቤተክርስትያንን ምእመናንን ዝተኸስተ ፍልልይ ዝፈጥር ጉዳይ ኰይኑ'ሎ።
ንሰሙናት ኣብ ከቢድ ውግእ ዝጸንሓ ታይላንድን ካምቦዲያን
እቲ ምስሕሓብ ቅድሚ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ፈረንሳይ ንካምቦድያ ድሕሪ ምጕባጣ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተጠራሉ እዋን እዩ። ነገራት ብወግዒ ኣብ 2008 ተጻባእቲ ኰይኖም፣ ካምቦድያ ኣብቲ ዘካትዕ ከባቢ ዝርከብ ኣብ መበል 11 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ቤተመቕደስ ከም ቅርሲ ዓለም ዩኔስኮ ክትምዝግብ ምስ ፈተነት - እዚ ስጕምቲ ካብ ታይላንድ ሓያል ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።
ብዛዕባ ሶማሊላንድ ሒደት ዘገርሙ ሓቅታት
ሶማሊላንድ፡ ቅድሚ 33 ዓመታት ሶማልያ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን እያ ናጽነታ ኣዊጃ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ብብዙሕ መዳይ ብተግባር ከም ሓንቲ ብሄራዊት-ሃገር ኰይኑ'ያ ጸኒሓ።
ብምስግጋር ሰባት ዝኽሰስ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ናብ ኔዘርላንድስ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ
እቲ ወዲ 41 ዓመት ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ኣብ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝሃድም ኣትሒዙ ብደረጃ ዓለም ሽሙ ኣብ ዝርዝር ተደለይቲ ሰባት ሰፊሩ ምንባሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ትግራይ፡ ናብ ፖለቲካዊ ምክሳስ ዝተሰጋገረ ሓደጋ ጥምየት ተፈናቐልቲ
እቲ ሎሚቕነ ኣብ ሕፃፅ ብዝተወሰኑ መናእሰይ ዝተቓለሐ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ኵለን 146 ማእከላት መዕቖቢ ዘጋጥም ምንባሩን ንዝምልከቶ ኣካል ደጋጊሙ ከፈልጥ ከምዝፀንሐን ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያ 'ሓያል መጥቃዕቲ' ከምዝፈጸመት ትራምፕ ኣፍሊጡ
ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ብሓሙስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ "ኣብ እዋን መሪሕነተይ፡ ሃገርና ዝዀነ ኣኽራሪ እስላማዊ ግብረሽበራ ክስስን ኣይከተፍቅድን'ያ" ኢሉ።
ኣመሪካ፡ ምስ ኢትዮጵያ እትርከበን ሃገራት እትፍርሞም ዘላ ስምምዓት ስለምንታይ የሰክፍ?
ብመንጽር'ቲ ሃገራት ዝበጽሕኦ ዘለዋ ስምምዓት፡ ሚስጥራዊ ውልቃዊ መረዳእታ ብዛዕባ ዓሌት ወይ ብሄር ናይ ሓደ ሰብ፡ ጀነቲካዊ መረዳእታ፡ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ወይ ካልእ ዝምልከት ሓበሬታ የጠቓልል።
ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ ወሊድ ከም ኣደታት ኣካሎም ይቕየር ድዩ?
ደቂ ኣንስትዮ ክወልዳ እንከለዋ ብዙሕ ርኡይ ዝዀነ ስነ-ህይወታዊ ለውጢ የጋጥመን። ግን ደቂ ተባዕትዮ'ውን ኣቦ ምስ ዝዀኑ ኣካላቶም ከም ዝቕየር ትግንዘቡ'ዶ?
ስዑዲ ዓረብ፡ ከቢድ ዓለማዊ ኵነኔ ዘስዓበላ ጉዳይ እንታይ እዩ?
እቶም ዳሕረዎት ናይ ሞትፍርዲ ዝተበየነሎም እሱራት፡ ክልተ ፓኪስታናውያን ኰይኖም፡ ምስ ዕጸፋርስ ብዝተኣሳሰር ገበናት ዝተኸሰሱ እዮም።
ትግራይ፡ 'ኣብ መዓስከር ሕፃፅ ረድኤት ኣይተቛረፀን' - ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ
እቲ ኮምሽን፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ "ብቐዳምነት ትዅረት ብምግባር ናይ ምግቢ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርብ ኣሎ" ኢሉ።
ኢትዮጵያ፡ ዝተቘርጸ ኢድ ዳግማይ ንምትካል ዝተገብረ ዕውት መስርሕ
ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዝተኣልየ ክፍሊ ኣካላት ዳግማይ ብምትካልን ናብ ንቡር ምምላስ ዘጠቓልል ሕክምና ቅድሚ ሕጂ ከምዝተገብረ ዘመልክት ሓበሬታ የለን።እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መስርሕ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ሕክምናዊ ቅያታት ሓደ እዩ ክበሃል ይኽእል።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, 'ኣልጎሪዝም' ማሕበራዊ ሚዲያ ይቈጻጸረና ድዩ ዘሎ?
ማሕበራዊ ሚዲያ ኣካል መዓልታዊ ናብራናን ህወይትናን ኰይኑ ኣሎ። ዘመናዊ ኣምር ሰብ-ሰርሖ ብልሒ'ዉን ካብ 1950ታት ጀሚሩ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ምሳና ዝጸንሐ’ዩ። እንተዀነ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ንሓባራዊ ስነ-ኣእምሮን መዓልታዊ ምንቅስቓስናን ዝጸልዉ ምዕባለታት ኣብ ክልቲኡ መዳያት ተራእዮም ኣለዉ።
ቪድዮ, ስራሕ እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ወኪል ኢጋድ ዝዀነ ቸርነት ሃሪፎ፡ እንታይ'ዩ?
ቸርነት ሃሪፎ፡ ገና ወዲ 23 ዓመት እናሃለወ'ዩ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚት ወኪል ትካል ልምዓት መንግስታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ሓላፍነት ተቐቢሉ።
ቪድዮ, 'ብልጽግናን ስልጣንን' እናተመባጽዑ ህጻናት ዝቐትሉ ጠንቈልቲ
ኣብ ሴራሊዮን፡ ምስ ስርዓታት ሽሕር ብዝተኣሳሰር ብዝመስል ቅትለት፡ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ስንባደ ኣለዉ።
ቪድዮ, ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ ኣሎ?
ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ መንጐ ዘይብለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዋንነትን ተጠቃምነትን ወደባት ክህቦ ዝጸንሐት መግለጺታት ብፍላይ ንሶማልያን ኤርትራን ከቘጥዕ ጸኒሑ'ዩ።
ትንታነ
ኣብ ድሕሪ ካሜራ ስልክኹም ኣልበርት ኣይነስታይን ምህላዉ ትፈልጡዶ?
ኣልበርት ኣይንስታይን ኣብ 1905 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ካብ መንጎ ዘሐተሞም መፅናዕታዊ ፅሑፋት፡ ብዛዕባ ፎቶኤሌክትሪክ (photoelectric) ዝድህስስ ሓደ እዩ።ኣይንስታይን በዚ መፅናዕቱ ኣብ 1921 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ሽልማት ኖቤል ተጐናፂፉ እዩ።
ብስም ምውጻእ ሓገዝ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት መንሽሮ ዝዀኑ ቈልዑ ዝተፈጸመ ምትላል
ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ነቲ ገንዘብ ተቐቢሎምዎ ዘይፈልጡ ብኸቢድ ዝሓመሙ ህጻናት፡ ብሽሞም ዓቢ ገንዘብ ተኣኪቡ ክኸውን ከም ዝኽእል የርኢ።
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኣልማዝ ዝሃብተመ መሬቶም ንምንታይ ክምለሰሎም ይደልዩ?
እቲ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ሕጋዊ ፍርዲ፡ ይረብሑ ኣለዉ ማለት ክኸውን ይኽእል፤ ግን ሕጂ'ዉን ድኻታት ከም ዝዀኑ ይረዛቡ።
በኒን፡ ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ ዘካየዱ ወተሃደራት 'ድኽመት' ዝፈጠሮ ሃጓፍ መዝሚዞም ድዮም?
ቤኒን ኣብቲ ብዙሕ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ዝካየደሉ፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ዘርጉእነትን ደሞክራስያዊ ፍትሕን ዝጐድሎ ዞባ፡ ርግኣትን ደሞክራስን እተስተማቕር እንኰ ሃገር እያ።
ደቂኣንስትዮ ስለምንታይ እየን ስእሊ ኣፍቃሪአን ካብ 'ኦንላይን' ዝኽውላ ዘለዋ?
ካብ ፀለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝዘለለ ቁፅሪ ፍቕራዊ ርክበን ኣብ ኣደባባይ ዕላዊ ክገብራ ዘይደልያ ደቂኣንስትዮ ይዛይድ ኣሎ።
ጽባሕ ኲናት እንተ ዝውላዕ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብሓቂ ክትዋጋእ ዓቕሚ ኣለዋዶ?
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራር ሓሙሻይ ዓመቱ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ኤውሮጳ፡ "ሕውስዋስ ኲናት" ብዝብል ዝጽውዑ ምስጢራዊ ፍጻመታት እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ወጥሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ሓለፍቲ ወተሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ውግእ ክነወግድ እንተደሊና ክንዳሎ ኣለና ብምባል የጠንቅቑ ኣለዉ። እቲ ዘይተጸበናዮ ክውን እንተዀይኑን ምስ ሩስያ ድማ ኲናት እንተተላዒሉ ግን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሒደት ሰሙናት ንላዕሊ ክትቃለስ ትኽእል ድያ?
ሰምሰርቲ: ሒሳብና ንምጥላፍ ዘኽእሎም ሓበሬታ ካበይ'ዮም ዝረኽብዎ?
ዳታኦም (ውልቀ ሓበሬትኦም) ዝተጉሓሉ ሰባት ብገበነኛታትን መታለልትን ዒላማ ናይ ምዃን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ። ሰምሰርቲ ኣካውንትና ንምጥላፍ ዘኽእሎም ሓበሬታ ግና ካበይ'ዮም ዝረኽብዎ?
ኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ኣመሪካ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም?
ኣብ ዋሽንግተን ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንሕቶታት ዑቕባ ብጠቕላላ ኣጊዱ ኣሎ።ሕዚ ድማ ቤት-ፅሕፈት ደሕንነት ውሽጢ ሃገር፡ ካብ ዝኾነት ሃገር ሕቶ ስደተኛታት ከይቕበል ትእዛዝ ወሪድሉ ኣሎ።ንምዃኑ፡ ሰራሕተኛታት ቤት-ፅሕፈት ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን አሜርካ (ኣይስ) ዝሃድንዎም ዘለዉን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝበሃሉን፡ እንመን እዮም?
'ፉጅያን'፡ ዘመናዊት መርከብ ውግእ ቻይና ንኣመሪካ ተስግኣ ድያ?
ኣብ ሕዳር 2025 ዝተበገሰት ሳልሰይቲ መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ቻይና፡ ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ክልተ መራኽብ ኣዝያ ዘመናዊት ምዃና ክኢላታት ይገልጹ። እዚ ድማ ንበይጂን ናብቲ ኣብ ምዕራባዊ ፓስፊክ ዝነበረ ዕብለላ ኣመሪካ ንምብዳህ ዝወጠነቶ ዕላማ ዓቢ ዝላ ምዃኑ ይእመን።
ኤርትራ-ሱዳን፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ሸነኽ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ እንታይ ይኸውን?
እዚ ብወገን ምብራቕ ሱዳን ክኽፈት ዝሕለን ዘሎ ውግእ፡ ምናልባት ምስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወይ ኢትዮጵያን ትግራይን ኲናት እንተ ተላዒሉ፡ ሰፊሕ ዞባዊ መልክዕ ዘለዎ ሓደገኛ ኲናት ክፈጥር ከም ዝኽእል፡" እውን ነቲ ዘሎ ስግኣት ኣመልኪቱ ዓብዱራሕማን የተኣሳስር።
ትራምፕ፡ መከራ ሱዳን ከብቅዕ ዝኣተዎ መብጽዓ ብኸመይ ክዕወት ይኽእል?
ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውጽኢት ከምጽእ እንተዀይኑ፡ ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ እትህቦ ደገፍ ድው ከተብሎ ከእምና ኣለዎ። ኢማራት ዓረብ ዋና ብዓልቲ ብርኪ ስምምዕ ኣብርሃምን ቀንዲ መሻርኽቲ ወፍሪ ምምሕዳር ትራምፕን እያ። ዋሽንግተን ንስለ ሱዳን ኢላ ዝምድናኣ ምስ ኣቡዳቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ከተእትዎ ተኽእሎ የብሉን።
ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓርሱ፡ ኣቢይን ትግራይን እንታይ በለ?
ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝኾነ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘካየዶ ኣዘራራቢ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ኤርትራ፡ ወጥሪ ዝፈጠረ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ውሽጣዊ ኵነታት ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺታቱን ሓለቓኡ ኣቢይ ኣሕመድን ተዛሪቡ'ሎ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ብጉዳይ ሕፃፅ ዝንቀፉ መራሕቲ ትግራይን መግለፂ ፕረዚደንት ታደሰን
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ ምምሕዳራትን ነቲ ብሰንኪ ኲናት ተፈናቒሉ ኣብ ሽግራት ዝወደቐ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ግቡኦም ክፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ጽልዋ ሓደገኛ ዕጡቕ ጕጅለ ዳዕሽ፡ ዳግማይ ይሕይል ድዩ ዘሎ?
ዳዕሽ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ግብሪ ብምእካብ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ሃይማኖታዊ ፖሊስን ስርዓታት ክንክን ጥዕናን ንርእሱ ከም ሓደ መንግስቲ ገይሩ ብምቕራብ፡ ንሰፊሕ ከባቢታት ሶርያን ዒራቕን ይገዝእ ነይሩ።
ኣብ ኤርትራ በጺሓ ዝተመልሰት ሽወደናዊት ምኒስተር ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ እንታይ ኢላ?
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካየደት ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ንዑደታ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ሂባ። ማሪያ ማልመር ስተነርጋርድ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ብዛዕባ ዳዊት ይስሓቕ ዝርከቦም ጉዳያት ከም ዝተዘራረበት ሓቢራ።
ካይሮ፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘለዋ 'ቀይሕ መስመራት' ኣነጺራ
እዚ ካይሮ ሓንጺጻቶ ዘላ ቀያሕቲ መስመራት፡ ንሱዳን ንምምቃል ወይ ንምፍንጫል ዝገበር ሓቐነታት ምዃኑ'ውን መግለጺ ፕረዚደንት ግብጺ ኣነጺሩ'ሎ። ትካላት መንግስቲ ሱዳን ክዕቀቡ ከምዘለዎም ዝጸውዐ ኣል-ሲሲ፡ እዞም መስመራት እዚኦም እንተ ተጣሒሶም ካይሮ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ኣጠንቂቑ'ሎ።
ኣብ ውሽጢ 60 መዓልቲ ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ዝተነግሮም ኢትዮጵያውያን ዕጫኦም እንታይ እዩ?
ብምኽንያት ኲናት ትግራይ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዕቝባ ዝተዋህበ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ስዒቡ፡ ግዝያዊ ሕጋዊ ሓለዋ ተዋሂብዎም ዝነበረ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣመሪካ ክወጽኡ ድማ 60 መዓልታት ተዋሂብዎም።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት ተቓሪባ ዘላ ሩስያ ነዚ ዞባ እንታይ ከተምጽኣሉ'ያ?
እቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ሩስያን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተግባራዊ ክኸውን እንተኸኢሉ፡ እቲ ሩስያ ኣብ ፖርት ሱዳን ትድዅኖ መዓስከራ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ናይ መጀመርታኣ'ዩ ክኸውን። በዚ ከኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነተን ኣቐዲመን ወተሃደራዊ መዓስከር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ክትውሰኸን'ያ።
ተመራሪሖም ናብ ሪያድ ዝበጽሑ መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን
ማዕከን ዜና ሱና ኣብቲ እዋን ከም ዝሓበረቶ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብምግምጋም፡ ሰላምን ጸጥታን ናይዚ ዞባ ብዛዕባ ዝወሓሰሉ ኣገባብ ምዝታዮም ጠቒሱ።
ብኣልሸባብ ናይ ሞት ምፍርራሕ እናበጽሖ ናብ ሶማልያ ዝተጠረዘ ዘዋሪ ኡበር
መሓድ መሓመድ ምስቶም ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ዝርከብዎም 39 ብሓባር ክጥረዙ ዝተወሰነሎም ሰባት’ዩ ነይሩ። መሓድ ዝጥረዘሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ ንምሉእ ነብሱ ዝኣስር ጃኬት ገይሩ ከኣ ብሓንቲ ንእሽተይ ነፋሪት ብሓለዋ ተሰንዮም ሻውዓይ ርእሱ ተበጊሶም።
ኣመሪካ፡ "ሓደገኛ ገበነኛታት" ዝተባህሉ 9 ኢትዮጵያውያን
ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተፈላለያ ገበናት ዝፈጸሙን "ኣዝዮም ሓደገኛታት ስደተኛታት" ተባሂሎም ዝቝጸሩን ውልቀሰባት ዝርዝር ኣውጺኡ ኣሎ፣ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ድማ ኣብቲ ዝርዝር ተጠቒሶም ኣለዉ።
ኬንያ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ብሪጣንያ ዘቕረበቶ ዝርዝር ክስታት ጾታዊ ዓመጽ
ወተሃደራት እንግሊዝ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኬንያ ዝርከብ ኣሃዱ መሰልጠኒ ሰራዊት እንግሊዝ (ባቱክ) ክስልጥኑ እኳ እንተጸንሑ፡ ህላወኦም ግን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ከካትዕ ጸኒሑ'ዩ፤ ወተሃደራት ብጕለድት ስነ-ምግባርን ግህሰት መሰላትን ይኽሰሱ።
ዘስካሕክሕ ሞት ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ጀርመን፡ ዘይተመለሱ ኣገደስቲ ሕቶታት
ጀርመናውያን ክኢላታት መርመራ፡ ንናይ መወዳእታ ሕልፈት ናይታ ኣብ ጫካታት ራይንላንድ-ፓላቲና ኣእዳዋ ተቘሪጹ ዝተረኽበ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊትን ኣብ ኣፍደገ ቤተክርስትያን ዝተረኽበ ውሉዳን ንምፍላጥ፡ ሓበሬታታት ኣብ ምምእራርን ምግጥጣምን ተጸሚዶም ይርከቡ።













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


































































